Skip to main content

Tigrinya / ትግርኛ

ኣብዚ ድሕሪ ኮሮና ብዛዕባ ዘጋጥም ጥዕናዊ ጥርዓናት ዝያዳ ከተንብቡ ትኽእሉ ኢኹም። ውድባት C-support ከምኡ እውን PostCovid NL እንታይ ክገብሩልኩም ከም ዝኽእሉ እውን።

ሎንግ-ኮቪድ
ጥዕናዊ ጥርዓናት ድሕሪ ኮሮና

ሰለስተ ኣዋርሕ ድሕሪ መልከፍቲ ኮሮና ሕጂ እውን ገና ጥዕናዊ ጥርዓናት ኣለኩም ድዩ? ስለዚ ንሕና ነዚ ሎንግ (ነዊሕ ዝጸንሕ) ኮቪድ ወይ ድሕረ-ኮቪድ ኢልና ንጽውዖ። ከምኡ ምስ ዝኸውን ድኻም ይስምዓኩም፣ ነገራት ትርስዑ ወይ ናይ ምጥዓም ወይ ምሽታት ዓቕሚ ትስእኑ፣ ብጸቕጢ ወይ ፍርሒ ትጽገሙ። መብዛሕትኦም ሎንግ-ኮቪድ  ዘለዎም ሰባት ኣብ ሓደ እዋን ካብ 10-15 ጥዕናዊ ጥርዓናት ኣለዎም። እቶም ብብዝሒ ዘጋጥሙ እዞም ዝስዕቡ እዮም፡

ሊከ [Lieke] ከምዚ ትብል፡ “ኣብ መፋርቕ ወርሒ መጋቢት 2020 ብኸቢድ ሓሚመ ነይረ። ከቢድ ቃንዛ ርእሲ፣ ቃንዛ ጎሮሮን ድኻምን ነይሩኒ። ድሕሪ ሒደት መዓልታት ድማ ሕጽረት ምስትንፋስ ገይሩለይ፣ ከምኡ ድማ ረስኒ እውን ኣጋጢሙኒ። ፍጹም ሓይሊ ኣይነበረንን፣ መደያይቦ ድማ ብሓሙሽተ መድረኻት ክድይብ ግድን ነበረ። ነቚጣ-ሓካይም እውን እንታይ ከም ዝገብር ፈጺሙ ኣይፈለጠን ነይሩ።”

ሓገዝ ሎንግኮቪድ [Long COVID] ንዘለዎም ሰባት

ስሩዕ ዝኾነ ኣገባብ ኣተሓሕዛ የለን። ነፍስወከፍ ኩነት ፍሉይን፣ ናይ ገዛእ-ርእሱ ውልቃዊ ኣተሓሕዛ ዝሓትትን እዩ። C-support ንጥዕናዊ ንጥርዓናትኩም ብጥንቃቐ ይሰምዓኩም። ከምኡ እውን እዞም ጥዕናዊ ጥርዓናት ኣብ ልዕሊ ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጥዕናኹም፣ ማሕበራዊ ህይወትኩምን፣ ኣብ ስራሕኩምን ኣታዊኹምን ዘለዎም ሳዕቤናት ብዝምልከት እውን ይሰምዓኩም። C-support ንሕቶታትኩም ይምልስን ምኽሪ ይህብን፣ እንተኾነ ግን ባዕሉ ቀጥታዊ ሕክምናዊ ፍወሳ ኣይህብን እዩ። ኣማኸርቲ ድሕረ-ክንክንን ሕክምናዊ ኣማኸርትን ትኽክል ወሃብቲ ክንክን ጥዕና ንኽትረኽቡ ይሕግዝኹም፣ ወይ ድማ ናይ ገዛእ-ርእሶም ክኢላታት፡ ከም በዓል ክኢላታት ሰብ-ሞያ ዕዮ፣ ጠበቓ ወይ ፋይናንሳዊ ኣማኻሪ ኣብ ምውፋር ይሕግዝኹም። ብሓባር ብምዃን ድማ ኩነታትኩም ብኸመይ ከነመሓይሾ ከም እንኽእል ንርእይ፣ C-support ምስ ኣብ መላእ ኔዘርላንድ ዝተዘርግሑ ጉጅለታት እዩ ዝሰርሕ።

 ጃነት [Jeanet] ከምዚ ትብል፡  “ኣብ C-Support ብቐንዱ ዘለኒ ፍርሒታትን ዘይርጒጽነትን ከካፍለሉ ዝኽእል ዝሰምዕ እዝኒ ረኺበ። እዚኦም ብዕቱብ እዮም ተራእዮም፣ ከምኡ እውን እዚ ኣብ ገለ እዋናት ብሰንኪ ከም ‘ድባነ-ኣእምሮ’ ብዝኣመሰሉ ናይ ኣእምሮ ጥርዓናት ብንጹር ክሓስብ ኣብ ዘይከኣልኩሉ እዋን ብዙሕ ደገፍ ሂቡኒ እዩ። ብዛዕባ ኣካላዊ ጥዕናዊ ጥርዓናተይ፣ ኣብ መጻኢ ብዛዕባ ስርሐይ ወይ ብዛዕባ ዘጋጥመኒ ፋይናንሳዊ ጸገማት ዝምልከቱ ዝርርባት ብኸመይ ከም ዝገጥሞም ርግጸኛ ዘይምዃነይን፣ ብዛዕባ ኣብቲ እዋን ዘተሓሳስበኒ ዝነበረ ኩሉ ነገራትን ጽቡቕ ምኽርታት እውን ተቐቢለ እየ።”

ኣብ C-support ምምዝጋብ

ኣብ መርበብ-ሓበሬታ www.c-support.nu ናይ ምዝገባ ቅጥዒ ኣሎ። እዚ የጸግመኩም ድዩ?
ስለዚ ናብዚ ደውሉ፡ 073 – 44 00 440። ድሕሪ ምዝገባኹም፣ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሳምንታት ብዛዕባ ጥዕናዊ ጥርዓናትኩምን ሕቶታትኩምን ብዝምልከት ብተሌፎን ሰፊሕ ናይ ምቕባል ዝርርብ ክትገብሩ ኢኹም። ብድሕሪኡ ብዛዕባ እዚ ዝሕግዘኩም ኣማኻሪ ድሕረ-ክንክን ከም ቀዋሚ ተጸዋዒ-ሰብ ማለት ኮንታክትፐርሶን ክምደበልኩም እዩ። ሓገዝ ናይ C-support ብዘይ ክፍሊት ብነጻ እዩ። ነዚ መንግስቲ እዩ ዝኸፍሎ።

ኸከ [Geke] ከምዚ ትብል፡ “እቲ ዕንቕፋት ሓደ ሓደ ግዜ ኣጸጋሚ እዩ፣ እንተኾነ ግን ስነ-ኣእምሮኣዊ ደገፍ፣ ዝሰምዓካ ሰብ ምህላዉ ብዙሕ ህድኣት ክህብ ይኽእል እዩ። ብፍላይ ከማይ በይኖም ንዝነብሩ ሰባት፣ ተነጽሎ ሓደ ነገር እዩ፣ ዝኾነ ዓይነት ደገፍ ድማ ብዙሕ ትርጉም ክህልዎ ይኽእል እዩ።”

logo c-support

www.c-support.nu | info@c-support.nu | 073 – 44 00 440

_________________________________________________________________________________

ጉጅለታት-ዝርርብ ድሕሪ ኮሮና ጥዕናዊ ጥርዓናት ንዘለዎም ሰባት

PostCovid NL ድሕሪ ኮሮና ንነዊሕ እዋን ጥዕናዊ ጥርዓናት ንዘለዎም ሰባት ዝሕግዝ ናይ ተሓከምቲ ውድብ እዩ። ንሳቶም ንረብሓ እዞም ተሓከምቲ ይጣበቚ። ብተወሳኺ ድሕረ-ኮቪድ  ዘለዎም ሰባት ምስ ነንሓድሕዶም ክዛረብሉ ዝኽእሉ ናይ ዝርርብ ጉጅለታት የዋድዱ። ምስ ነንሓድሕድካ ምዝርራብ ደስ ዝብል ክኸውን ይኽእል እዩ።

ተሳታፊ፡ “እቲ ኣነ ዘሕልፎ ኣዝዩ ብዙሕ ኣፍልጦን ተፈላጥነትን ዝረኸበ ኮይኑ ይስምዓኒ። ከማይ ተመሳሳሊ ነገር ዘሕልፉ ሰባት ስለ ዝረኣኹ በይነይ ኮይነ ዝስምዓኒ ውሑድ እዩ። ጽቡቕ ምኽርታት እውን ይረክብ እየ፣ ነንሓድሕድና ስለ እንተሓጋገዝ ድማ ደገፍ ዝረኽብኩ ኮይኑ ይስምዓኒ።”

ኣብቲ ዝርርብ ክትጽንበሩ ወይ ተወሳኺ ሓበሬታ ክትረኽቡ ትደልዩ’ ዶ?
ናብዚ ዝስዕብ ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም፡ 033 – 43 41 212 ወይ ናብዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ኢ-መይል ለኣኹ፡praatgroep@longfonds.nl
ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብዚ መርበብ-ሓበሬታና እውን ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም፡ www.postcovidnl.nl